እንቓዕ ብደሓን ናብ ኔዘርላንድ መጻእኩም !!
ኣብ ቀረባ እዋን ብስደት ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእኩምን ኣብ ከባቢ ፍሪስላንድ ወይካአ ክሮኒንገን ከም እተመደብኩምን ተረዲኡና ኣሎ፥፥ ናይ ፍሪስላንድ ወይካአ ክሮኒንገን ማሕበረሰብ ንዓኹምን ንበተሰብኩምን ጽቡቅ ኣቀባብላ ዔርልኩም ክኸውን ተስፋ ንገብር፥፥
ካብ ዝነበርካዮ ሃገር ለቂቅካ ብስደት ናብ ካልእ ሃገር ክትከይድ ከሎኻ ዘሸግር ነገር ከም ዝኾነ እሙን እዩ፥፥ ሓዲሽ ባህሊ ፥ቓንቃ፥ኣመጋግባ፥ ዝተፈለየ ኣመሃህራ ስርዐት፥ ስራሕ ምስኣን ፥ ናይ ቤተሰብ ናፍቆት ምስ ካልእ ሕብረተሰብ ብቀሊሉ ምሕዋስ ዘሸግር ምኻኑ ንርዳእ፥፥
ኩሉ ነገር በዛ ሓጻር መልእኽቲ እኻ ክግለጽ እንተ ዘይከኣለ ሓደ ነገር ግን ንግንዘብ ንስኹምን በተሰብኩምን ዝሓለፍኩምዎን እትሓልፍዎ ዘለኹምን መገዲ እግዚኣብሄር ንጽቡቅ ከም ዝልውጦ ኣምላኽ ንዓኻትኩም ናብ እዚ ስፍራ እዚ ከምጽአኩም ከሎ ዓላማ ከም ዘለዎ ናይ ኣምላኽ ቃል ኣብ ሮሜ 8:28 ከምዚ ይብል << ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩ እውን እተጸውዑ ግና ኩሉ ንሰናይ ከምዝድግፎም ንፈልጥ ኢና>>
ኣብ ከባቢ ፍሪስላንድ ወይካአ ክሮኒንገን ዘሎና ኣሕዋትን ኣሓትን ከምቲ ኣብ ትንቢት ኢሳ፥ 55:6 ተጻሒፉ ዘሎ <<ንእግዚኣብሄር በቲ ዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ ቀረባ ኸሎ እውን ጸውዕዎ>> ከም ዝብል ካብ ዝተፈላለየ ስፍራ ካብ ኩፉእ ሓሳብን ሞትን ኣድሒኑ ኣብ እዚ ስፍራ ዘቀመጠና ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ኣምላኽ ውረታ ብምዝካር ከነምልኾን ከነገልግሎን ክንግዛኦን ከም ፍቃዱ ክንነብር ሕብረት ጌርና ኣሎና፥፥
ስለዚ ራሕቦት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን እንቋዕ እግዚኣብሄር ብሰላም ናብ እዚ ስፍራ እዚ ኣምጽአኩም እንዳበለት ኣብ እዚ ከባቢ ፍሪስላንድ ወይካአ ክሮኒንገን ክሳዕ ዘለኹም ጊዜ ምሳና ሕብረት ክትገብሩን ኣብ ናይ ቤተክርስትያንና ፕሮግራም ክትካፈሉን ንስኹም ብዝፈቀድኩሞ ድማ ቤተክርስትያንና ከም ፍቋድ ኣምላኽ ካብ ልቢ ከም እተገልግለኩም በዚ ኣጋጣሚ ነረጋግጸልኩም፥፥
ናይ ቤተክርስትያንና ቆዋሚ ፕሮግራም
- ኩሉ ጊዜ ሰንበት ካብ 12:00 – 13:00 ትምህርቲ ወደ መዝሙር( ማስተር ላይፍ)
14 :00 – 16:00 ናይ ኣምልኾን ናይ ቃልን ጊዜ - ኩሉ ጊዜ ረቡዕ ካብ ናይ ንጉሆ ሰዓት 10:00-13:00 ናይ ጾምን ጸሎትን
- ኩሉ ጊዜ ዓርቢ ካብ 21:00 – 22:00 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ፍሪስላንድ
ኣምላኽ ብኹሉ ይባርኽኩም
ራሕቦት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን
ሌዋርደን ፍሪስላንድ
<< እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቁቦም እግዚኣብሄር ንዘኽታምን ንመበለታትን ይአልዮም ንመገዲ ረሲአን ግና ይጠዋውያ>> መዝ፥ 146: 9